ብሰብ ሙያ ዝተደገፈ ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ ጾታዊ ርክብ ጥዕና ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማማት ረኽሲ

ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማማት ረኽሲ

እንታይ ማለት እዩ፧

Information: Diese Seite wird in Kürze überarbeitet.

ረኽስታት ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ(ብርሕሚ፡ ብኣፍ፡ ብዶሶ) ገለ ካብዚኣቶም በዞም ዝስዕቡ መንገድታት ክምሓላለፉ ይኸእሉ፡

  • ብለገስቲ ደም
  • ብጾታዊ ምስዓዓም
  • ካብ ጥንስቲ ኣደ ናብ ዕሸል፡ ኣብ ግዜ ጥንሲን ሕርሲን ምጥባውን

እቶም ዝበዝሑ ረኽስታት ብኣግኡ እንተ ደኣ ተመርሚሮምን ፡ ተሓኪሞምን ክሕውዩ ይከኣሉ እዬም ፡ እንተ ደኣ ዘይተሓኪሞም ግን ሳዕቤኖም ኣዚዩ ከቢድ እዪ ፡፡ ከም ኣብነት(ሕማም ካንሰር ምምካን) ኤች.ኣይ.ቪ. አይድስ ድማ ብቐሊሉ ንኸጥቅዕ ይሕግዙ፡፡ ኣብ ግዚኡ እንተድኣ ተሓኪሞም ፡ መብዛሕቶኦም ርኽስታት ክሓውዩ ይኽእሉ እዮም።

ኣየኖት ረክስታት፧

በዞም መንገድታት እዚኣቶም ድማ ይመሓላለፉሉ

  • ብባክተርያ ክላሚዶስ ብለኖራጂ: (ጎነሬያ- ሕማም ጅግል « ዓጽረ ሽንቲ »)
    ረክሲ ብጋርደነላ ቫጂናሊ ሲፊልስ- ሕማም ፍንጣጣ፡
    ላምፎግራኑሎማቶስ ቨነርየን- ሕማም በምቦኒ
  • ብቫይረስ: ፓፒዮማቪሮስ(HPV) ኤርፕስ- ዕንፉሩር ናይ ብልዕቲ ፡ ኤፓቲት በ- ወይቦ ኤፓቲት ሰ- ወይቦ ኤች.አይ.ቪ./አይድስ
  • ብቃንጥሻ: ሚኮዝ - (ናአሽቱ ዕንፉሩር)
  • ብሓሳኹ: ትሪኮመናስ ጋል - ሕማም ቆርበት ተላጋባይ፡ ሞርፒዮን(ቁማል ናይ ብልዕቲ)

ገሊኦም ደሓን ክኾኑ ከለው ገሊኦም ግን ዝጓድኡ እዮም

ሸለል ክብሃሉ ዘይግብኦም ምልክታት

  • ዝኾነዓይነትዕንፉሩር፡ኣብርሕሚወይዶሶ
  • ምስሓይ ፡ቀጭቀጭ ምባል ፡ምቕያሕ ፡ጸላዕላዕ ምባል ኣብ ርሕሚ
  • ብርሕሚ ዘይልሙድ ጻዕዳ ፈሳሲ ዝሽትት ምስዝፈስስ ፡ ዋላ ውሑድ ይኹን ምጉሊ ካብ ጽኪ ምስዝፈስስ
  • ኣብ ግዜ ሽንቲ ጸላዕላዕ ምስ ዘብል
  • ዘይልሙድ ደም ወላ ቁሩብ ይኹን ምስዝፈስስ (ካብ ግዜ ጽግያት ወጻኢ)
  • ብርቱዕ ቃንዛ ኣብ ታሕተዋይ ወገን ከብዲ (ካብ ጽግያት ወጻኢ ኣብ ደቂ ኣንስትዩ)
  • ቃንዛን ጸላዕላዕ ምባልን ፡ ኣብ ግዜ ጾታዊ ርክብ
  • ረስኒ፡ ድኻም ፡ ሕብሪ ቆርበት ቢጫ ምስ ምስዝኽውን ፡ ምሕቃቕ መግቢ ምስ ዝጽግም
  • ምቕያሕ ጎረሮን መልሓስን።

ኣብ ጓለንስተይቲ ኮነ ኣብ ወዲ ተባዕታይ ፡ እዚ ምልክታት እዚ ክሕባእ ወይ ውን ፍጹም ክይህሉ ይኸእል እዩ!

ብከመይ ክንክላኸል ንኽእል?

...እቲ ዝምድና ሓድሽ እንድሕር ኮይኑ
...እንተ ደኣ ተጻማዳይ ተቕይሩ
...ምስብዙሓትጾታዊርክብዝፍጸምእንተኾይኑ ወይ ድማ እቲ ትራኸቦ ፍሉጥ ምስ ዘይከውን
...ካብቲ ብእምነት ትገብሮ ፍሉጥ ርክብ ወጻኢ ምስ ዝኸውን
...እዚ ድማ ኣብ ርእሲ እቲ ልሙድ ዝኾነ መከላኸሊ ጥንሲ እታ ጓልንስተይቲ እትወስዶ እዩ

  • እቲ ዝበለጸ መከላኸሊ ካብ ምልካፍ ኤች.ኣይ.ቪን ካልኦት ንብስጋዊ ርክባት ዝመሓላለፉ ሕማማትን፡ ሴፈር ሴክስ እዩ። እዚ ማለት፡
    1. ስጋዊ ርክባት ብብልዕቲ ወይ ብምትንኻፍ(መትሎ) ንመዓኮር ክግበር እንከሎ፡ ግድነት ኣቡሰላማ ናይ ወዲተባዕታይ ወይ ጛለንስተይቲ ምጥቃም)።
    2. ተወሳኺ፡ ንነፍሲ ወከፍ ንግሉ ዝሰማምዖ ኣብ Safer-Sex-Check ኣብ lovelife.ch ይርከብ።
  • ኣብ ዝተኻእለኩም እዋን ተኸተቡ፡ (ወይቦ Hépatite B ን መንሽሮ ክሳድ ማሕጸንን HPV)
  • እንድሕር ድኣ ዘጠራጥር ጾታዊ ርክብ ፈጺምክን ወይ ድማ እቲ ዝተፈለየ ምልክታት እንድሕር ኣለክን ምምርማር «ክሓልፍ»ኢልክን ኣይትጸበያ!

ድሕሪ ምክልኻል ዘይተገብሮ ጾታዊ ርክብ፣ ኣብቲ ከባቢ ብልዕቲ እንተሕከኸ፣ ፈሳሲ እንተተፈጥረ ወይ ከኣ ቃንዛ እንተተሰምዔ ከምኡውን ናይ ጉንፋዕ ዝመስል ስምዒት እንተሃለወ ከይደንጎኹም ናብ ሓኪም ኪዱ።

እቲ መርመራ ብናይ ደም ከምኡውን መርመራ(ናይ ሽንቲ ፡ኣፍ ማህጸን ፡ልፋጭ ርሕሚ) ወይ ውን ካልእ መርመራታት ሕክምና ናይ ማህጸንን ይኸውን፡፡

ሓበሬታ ንደቂ ኣንስትዮ፡
እዚ መርመራ እዚ እቲ ልሙድ መርመራ ዓመታዊ ናይ ማህጸን መርመራ ኣይኮነን፡ ስለዚ እንተደኣ ኣስጋኢ ጾታዊ ርክብ ፈጺምክን ብቅልጡፍ ምስ ሓኪም ምዝርራብ!

ከይትሓላለፍ እንታይ ክንገብር ኣለና

እንተ ደኣ እቲ ሓኪም ድሕሪ መርመራ ረኽሲ ረኺቡልክን፡ ነቶም ትራኽብኦም ዝነበርክን ናብ ሓኪም ከይዶም ንኽምርመሩ ምንጋሮም የድሊ፡ ወላ እቲ ምልክታት እንተ ዘይብሎም፡ መብዛሕተኡ ግዜ ክሕከሙ አድላይ እዩ፡፡

ክሳብ እቲ ሕክምና ዝውዳእ ካብ ጾታዊ ርክብ ምቁጣብ

2018, SANTÉ SEXUELLE SUISSE, Fondation suisse pour la santé sexuelle et reproductive; ALECSS Association suisse latine des spécialistes en santé sexuelle, Éducation – Formation – Conseil; faseg, Fachverband sexuelle Gesundheit in Beratung und Bildung

(Tigrinya / ትግርኛ - Sexuell übertragbare Infektionen / Les infections sexuellement transmissibles)

www.migesplus.ch
ማዕከን ሓበሬታ ኣብ ኢንተርነት ንጥዕና ዝምልከት ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት

ብዛዕባ ትሕዝቶ ቀጻሊ ሓበሬታ

ኣርጊፍኩም ጽዓኑ

ሕቶ'ዶ ኣለኩም?

ኣብ ከባቢኹም ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሰብ ሙያ ንናይ ጾታዊ ጥዕና ንሕቶኹም ሰብ ሙያ ብስቱር ክመልሱልኩም እዮም። እሳቶም ነቲ ናትኩም ኩነታት ዝኸውን ጭቡጥ መፍትሒ ንኽትረኽቡ ይሕግዙኹም እዮም።

ተወሳኺ ሓበሬታ