ብሰብ ሙያ ዝተደገፈ ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ ጾታዊ ርክብ ጥዕና ጥንሲ መከላኸሊ ጥንሲ ድሕሪ ሕርሲን አብ ግዜ ምጥባውን

መከላኸሊ ጥንሲ ድሕሪ ሕርሲን አብ ግዜ ምጥባውን

ድሕሪ ሕርሲ (ብሕርሚ ወይ ድማ ብመጥባሕቲ) ኣብ ዘሎ እዋን፣ ናይ መጀመርያ ጽግያት ድሕሪ ሕርሲ ዋላዉን አንተጥበኪ ሽዱሽተ ወርሒ ጸኒሑ ክፈሰኪ ይክእል አዩ፣ ስለዚ ቅድሚ ጽግያት እውን ሓድሽ ጥንሲ ኺህሉ ይኽእል እዩ

ነብሰጾር (ቆልዓ) ዘይትደልያ አንተኮይንክን ኣብ ጊዜ ጾታዊ ርክብ መከላከሊ ጥንሲ ክትጥቀማ ኣለክን።

ነዚ ኣብታሕቲ ተጠቂሱ ዘሎ ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ  ኣብ እዋን ጸባ ትጥብብሉ ጊዜ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። ዝያዳ ሓበሬታ ኣብ ወብ ሳይት ክርከብ ይከኣል እዩ።www.sexandfacts.ch

መታሓሳሰቢ፡

  • ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ኣብ እዋን ምጥባዉ ኽትጥቀም ትኽእል ኢኻ  ።
  • ነተን ዘየጥቡዋ ወይ ኣብ መወዳእታ ጡብ ዘጥብዋሉ ጊዜ ካልእ መከላኸሊ ጥንሲ እውን ክወሃበን ይኽእል ኢዩ። ነዚ ጉዳይ አዚ ምስ ሓኪም ተመያየጣሉ

ኣብተንድሕሪሕርሲዘለዋቐዳሞትሰሙናትጡብምጥባዉ  ንጽግያትከደንጉዮይከልበኡመጠንክአ  አዚኣብታሕቲዝተገለጸነጥብታትአንተተማሊአኡጥንሲንከይፍጠርይከላከል።

  • ክየቖረጽኪ አንተዋሐደ  6 ጊዜ ኣብ 24 ሰዓት ከተጥብዊ ኣለኪ፣ አንትወሐደ ሐንቲ ጊዜ ኣብ ለይቲ
  • ናይ ኣደ ጸባ ጥራሕ ክጠቡ ኣለዎ ፣ ብደይ ተውሳኪ ቹቾቶ፣ ሻሒ ወይ ዉን ማይ።
  • እንድሕር ዕደተ ጽግያት ዘይተመልሰ፡፡

ካብ ሓደ ሰብ ሙያ (ኣዋላዲት ወይ ድማ ሰብ ሙያ ሕክምና) ውልቃዊ ምኽሪ ምርካብ ብጣዕሚ ዝምዓድ እዩ። ከምኡ እውን ድሕሪ እቲ እዋን ምጥባው፣ ከመይ ጌርክን ጥንሲ ክትከላኸላ ከም እትደልያ ሕሰባሉ።

ጽምዲታት ብፍጹም ተወሳኪ ጥንሲ ክፍጠር ዘይደልዩ አንተኮይኖም፣ አዚ ዝሰዕብ ምክሪ ክክፍጸም የብሉን።

ክፍለጥ ዘለዎ

  • ኣብቲ ድልዉቲ ዝኮንክሉ ጊዜ ጾታዊ ርክብ ክትፍጽሚ  ትኽእል ኢኻ። ብኣረኣእያ ሕክምና  ኺርአ ኸሎ  አቲ ኣብ አባቢ ብልዕትኪ ወይ  ክብድኪ ዘሎ በሰላ አንተሐዉዩ። ጸገማት እንተ ኣልዩኪ ግን ምስ ሓንቲ መሕረሲት ወይ ምስ ሓኪም ክትማከሪ ኣለኪ ።
  • እቲ ዝበለጸ መከላኸሊ ካብ ምልካፍ ኤች.ኣይ.ቪን ካልኦት ንብስጋዊ ርክባት ዝመሓላለፉ ሕማማትን፡ ሴፈር ሴክስ እዩ። እዚ ማለት፡
    1. ስጋዊ ርክባት ብብልዕቲ ወይ ብምትንኻፍ(መትሎ) ንመዓኮር ክግበር እንከሎ፡ ግድነት ኣቡሰላማ ናይ ወዲተባዕታይ ወይ ጛለንስተይቲ ምጥቃም)።
    2. ተወሳኺ፡ ንነፍሲ ወከፍ ንግሉ ዝሰማምዖ ኣብ Safer-Sex-Check ኣብ lovelife.ch ይርከብ።

2021, SANTÉ SEXUELLE SUISSE, Fondation suisse pour la santé sexuelle et reproductive; ALECSS Association suisse latine des spécialistes en santé sexuelle, Éducation – Formation – Conseil; faseg, Fachverband sexuelle Gesundheit in Beratung und Bildung

(Tigrinya / ትግርኛ - Verhütung nach der Geburt / Contraception après l’accouchement)

www.migesplus.ch
ማዕከን ሓበሬታ ኣብ ኢንተርነት ንጥዕና ዝምልከት ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት

ብዛዕባ ትሕዝቶ ቀጻሊ ሓበሬታ

ካልእ ኣርእስታት

ኣርጊፍኩም ጽዓኑ

ሕቶ'ዶ ኣለኩም?

ኣብ ከባቢኹም ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሰብ ሙያ ንናይ ጾታዊ ጥዕና ንሕቶኹም ሰብ ሙያ ብስቱር ክመልሱልኩም እዮም። እሳቶም ነቲ ናትኩም ኩነታት ዝኸውን ጭቡጥ መፍትሒ ንኽትረኽቡ ይሕግዙኹም እዮም።

ተወሳኺ ሓበሬታ